መጽሓፍ ቅዱስ፤ 39 መጻሕፍቲ ብሉይ ኪዳንን 27 መጻሕፍቲ ሓድሽን ኪዳንን ብድምር 66 መጽሓፍቲ ዝሓዘ፡ ብእግዚኣብሄር ተገሊጹ እተዋህበ፡ መንፈስ ኣምላኽ ነፊስዎ እተጻሕፈ፡ ህያውን መስለጥን ጌጋ ዘይብሉን ቀኖናዊ መጽሓፍ ምዃኑ ንኣምን። እቲ ኣብኡ ተጻሒፉ ዘሎ ዅሉ ድማ፡ ሰብ፡ ኣብ እምነታውንሞራላውን ህይወቱ ኪምርሓሉ፣ ኣብ ኵሉ ኣተሓሳስባኡን ኣነባብራኡና ዝለዓለ ስልጣን ከም ዘለዎ ንኣምን(ማቴ.5፡17-18፤ መዝ.119፡160፤ 2ጢሞ.3፡16-17፤ 2ጴጥ.1፡20-21)።
እግዚኣብሄር እግዚኣብሄር፡ ሰማይን ምድርን ኣብኡ ዘሎ ዅሉን ዝፈጠረ: ንዅሉውን ብቃሉ ጸይሩ ዘሎ፡ ኵሉ ዝከኣሎ፡ ኵሉ ዝፈልጥ፡ ኣብ ኵሉ ዝርከብ፡ ዘልኣለማዊ፡ ዘይልወጥ፡ ዘይውሰን፡ ዘይርኣይ፡ መንፈስ እምበር ግኡዛዊ ህላወ ከምዘይኰነ ትኣምን። ከምኡ ድማ ከምቲ ኣብ ጕባኤ ንቅያን (325 ድ.ል.ክ) ጕባኤ ቍስጥንጥንያን (381 ድ.ል.ክ)ተዋሂቡ ዘሎ መግለጺ-እምነት ድማ ሰለስተ እንተናታት ከሎስ ሓደ ዀይኑ ዝነብር ስሉስ ኣምላኽ ምዃኑ ትኣምን። ብኣካል ሰለስተ (ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን)፡ብመለኰት ብስልጣን ብባህርይ ሓደ ኣምላኽ ምዃኑ ንኣምን። ሰብ፡ ብዅለንትናኡ ድሩትን ውሱንንስለዝዀነ፣ እንታይነት ባህርያት እግዚኣብሄር በብሓደ እናረቝሐ ኺዝርዝር ደኣ ይኽእል እምበር፡ ነቲደረት-ኣልቦን ወሰን-ኣልቦን ዚዀነ፡ ብዅለንትናኡ ማእለያ ዘይብሉ እግዚኣብሄር፡ ኣድቂቝን ኣጽፊፉንከቍሮን ኪገልጾን ክእለት ከምዘይብሉ ንኣምን (ማቴ.28፡19-20፤ ዘፍ.1፡1፣26፤ ኤር.32፡17፤ ኢሳ.57፡15፤ ኢሳ.45፡18-19)።
እግዚኣብሄር ኣቦ፤እግዚኣብሄር ኣቦ፤ ንጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ዘልኣለማዊ ኣቦኡ ከም ዝዀነ ንሰብ ካብ ናይዘልኣለም ሞት ድሒኑ ናይ ዘልኣለም ህይወት ንኽወርስን፡ ውሉድ ኣምላኽ ንክኸውንን፡ ንሓደ ወዱ የሱስክርስቶስ በጃ ብምሃብ ንዘርኢ ኣዳም ፍቕሩ ከም ዝገለጸ፡ ነቶም ፍቕሩን ምሕረቱን ዝተቐበሉ ድማ ንወዱየሱስ ዝመስሉ መንግስትን ካህናት እናገበረ የቑሞም ከምዘሎ ንኣምን (ዮሃ.1፡18፤ 3፡16፤ ግብ.3፡25-26፤ 1ዮሃ.4፡9-10፤ ራእ.1፡6፤ 5፡10)። እግዚኣብሄር ወዲ (የሱስ ክርስቶስ): ናይ እግዚኣብሄር ኣቦ ዘልኣለማዊ ወዱ ምዃኑ፡ ብመንፈስ ቅዱስተጠኒሱ ካብ ድንግል ማርያም ምውላዱ፡ ፍጹም ሰብን ፍጹም ኣምላኽን ምዃኑ፡ ሓጢኣት ዘይተረኽቦንንወዲ ሰብ ከድሕን ኢሉ ግና ኣብ መስቀል ምሟቱ፡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ካብ ሞት ምትንስኡ፡ ብኽብሪዓሪጉ ኣብ የማን ኣቦ ምቕማጡ፡ ምእንታና ኵሉ ጊዜ ይልምን ምህላዉ፡ ናይ ቤተክርስትያን ርእስንመሰረትን ምዃኑ፡ ብኽብሪ ድማ ከም ዝምለስ፡ ንጻድቓን ሓጥኣንን ከምዝፈርድ ንኣምን (ዘፍ.3፡15፤ ማቴ.1፡20-21፤ ሉቃ.1፡35፤ 1ጢሞ.3፡16፤ 1ጴጥ.2፡22-24፤ ሮሜ.8፡34፤ እብ 7፡25፤ ኤፌ.2፡19-20፤ ግብ.10፡36-43፤ ዮሃ.5፡28-29፤ 14፡3፤ ራእይ 20፡11-15። እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ፡ ኣካል ዘለዎ መለኰት ምዃኑ፡ ንዓለም ብዛዕባ ሓጢኣትን ጽድቅን ዚረትዕ፡ኣብ ኣመንቲ ሓዲሩ ድማ ናብ ኵሉ ሓቂ ዚመርሕን ዘጸናንዕን ዝምህርን፡ ብቕድስና ንምንባርን ንኣገልግሎትንዜድሊ ሓይልን ናይ ጸጋ ውህበታትን ከም ዝህብ ንኣምን (ዘፍ.1፡2፤ ዮሃ.7፡37-39፤ ዮሃ.14፡ 16-17፤ 16፡8-13፤ 1ቈረ.12፡4-11፤ ግሃ.1፡8፤ ግብ 5፡3-5)።
ሰብ፡ ብመልክዕ ናይ “እቲ ዘሎኹ እየ ዘሎኹ” ዝበለ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዝተፈጥረን፣ ኣብ ውሽጡ፡ዘይርአ ሕመረታዊ ውስጠ-ህላወ ባህርይ መልክዕ እግዚኣብሄር ዘለዎን፣ ፍጡር ምዃኑ ንኣምን። ሰብ በቲመንፈሳውን ውሽጣዊ ባህርያቱን መልክዕ ኣምላኽ ዝወረሰ ኰይኑ ብፍልይ ዝበለ መለኰታዊ ጥበብ ኣምላኽግን ስጋን ነፍስን መንፈስን ዘለዎ ፍጥረት ምዃኑ፡ እቲ ንኣምላኽ ዝመስል መልክዕ ሰብ እቲ ሰብ ካብኣምላኽ ዝተኻፈሎ መንፈሳዊ መንነቱ ከምዝዀነ ንኣምን። ሰብ ክቡርን ቅዱስን ህይወት ዘለዎ፣ ሞራላዊልቦና ዘለዎ፣ ሓላፍነትን ግዴታን ኣብ እንታይነት ባህርይኡ ዘለዎ፣ ነጻ ናይ ምምራጽ በይናዊ ነጻነት ዘለዎሰናይን እኩይን፡ ቅኑዕን ጌጋን፡ ፍቑድን ክልኩልን ዝፈልጥ፡ ኰይኑ ከምእተፈጥረን ዚውለድን ንኣምን። ሰብነጻ ዀይኑ ስለ ዝተፈጥረ፡ ሳዕቤን ናይቲ ዚመርጾ ምርጫ ከም ዚቕበል ንኣምን (ዘፍ 1፡26-27፤ 2፡7)።
ድሕነት: ሰብ ብኣርኣያ ስላሴ ማለት ብመልክዕ ኣምላኽ ብዘይ ሓጢኣት ከምዝተፈጥረ፡ ትእዛዝ ኣምላኽ ብምፍራሱ ካብ ክብሪ ኣምላኽ ከምዝወደቐ፡ መንፈሳውን ስጋውን ሞት ከምዘስዓበሉ፡ ግናኸ በቲ የሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ዝፈጸሞ በጃ ምሕላፍ ብምእማን ብጸጋ ሓጢኣቱ ከምዝሕደገሉ፡ ውሉድ ኣምላኽ ከምዝኸውን፡ ናይ ዘልኣለም ህይወት ድማ ከምዝረክብ ንኣምን (ዘፍ.1፡ 26-27፤ ዮሃ.3፡16፤ 14፡6፤ ግብ.4፡12፤ ሮሜ.3፡23-26፤ 5፡8-10፣18-21፤ 1ጢሞ2፡5-6፤ እብ7፡25-26፤ ዘፍ2፡7፤ ዮሃ.1፡12-13፤ ግብ.10፡43፤ ኤፌ.2 8-9።)
ዳግም ምጽኣት የሱስ ክርስቶስጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ብዓብዪ ሓይልን ክብርን ግርማን ብደመና ሰማይ ዳግማይ ከም ዝምለስንኣምን። እታ ናይ ፈተና ሰዓት ትውድኣሉን እቲ ጸረ ክርስቶስ ዝስዓረሉን ሰይጣን ዝእሰረሉን ናይ ጐይታናየሱስ ክርስቶስ ናይ ሽሕ ዓመት ንግስነት ዝጅመረሉን ጊዜ ምዃኑ ንኣምን (ማቴ.24፡27፤ ሉቃ.17፡23-26፤ ግብ.1፡11፤ ራእ.17፡12-14፤ 20፡6)።
ናይ መወዳእታ ፍርዲ: ናይ መወዳእታ ፍርዲ ከም ዘሎን እቶም ብየሱስ ክርስቶስዘይኣመኑ ዘበሉ ኩሎም ከከም ግብሮም ከም ዝፍረዱን ንኣምን። እቶም ስሞምኣብ መጽሓፍ ህይወት ዘይተረኽበ ናብቲ ቀላይ ሓዊ ከም ዝድርበዩን ንዘልኣለም ከም ዝሳቐዩን ንኣምን(ሮሜ.2፡6-9፣ 14-16፤ ዮሃ 5፡ 28-29፤ ዳኒ 12፡2፤ ራእ.20፡11-15)።
ናይ ዘልኣለም ህይወትእቶም ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣሚኖም ድሕነት ዝረኸቡን ውህበት ጽድቂ ዝተቐበሉን ኣብ መንግስተሰማያት ናይ ዘልኣለም ህይወት ከም ዝወርሱን ክብሪ ኣምላኽ ከም ዝጓናጸፉን ንኣምን (ማቴ.13፡43፤ዮሃ.14፡3፤ 2ጴጥ.3፡13፤ ራእ.21፡1-5፤ 22-27)።
መርዓን መውስቦን፡ ኣብ መንጎ ኽልተ ተጻይ ጾታ ዘለዎም ተባዕታይን ኣንስታይን ብልዑል ጥበብ እግዚኣብሄር ኣብ ገነት ኤደን ዝተጀመረ ፡ እግዚኣብሄር ሰባት ምእንቲ ክፋረዩ እሞ ንምድሪ ክመልእዋን ክመልክዋን ንደስታን፡ ንሓለዋን ዝሃቦም (ዘፍ 1፡27-28፤ 2፡24)፡ ነቲ ኣብ መንጎ ክርስቶስን ማሕበሩን ዘሎ ሕብረት ዝገልጽ ስእላዊ መግለጺ ኰይኑ (ኤፌ.5፡31-35)፡ ብምሉእ ፍቕርን ብፍታው ፍቓድን ዘሎዎም ብጹሓት፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን ኣብ ቅድሚ መሰኻክርን ዚፍጸም፣ ብነፍስን ብስጋን ብንዋትን ንምሉእ ዕድሜኦም ሓደ ገይሩ ዚጠምር ቅዱስ ኪዳን እዩ (ማቴ.19፡4-9፤ ሮሜ.7፡2-3፤ማር.10፡2-12፤ 1ቈረ.6፡ 9-10፤ ቈሎ.3፡18-19፤ እብ.13፡4፤ ምል.2፡14-16)።ኪዳን መውስቦ ፍቕርን ትዕግስትን እምነትን ዝሓትት ብጥንቃቐን ብኣኽብሮትን ብመሪሕነትእግዚኣብሄርን ብጸሎትን ብዘይ ሃወኽ ኣብ መንጐ ሓደ ኣማንን ሓንቲ ኣማኒትን ጥራይ ዝፍጸም ሰርዓት እዩ(ማር.10፡ 2-12፤ 2ቈረ.6፡14-15፤ ኤፌ.5፡ 25-27)።ጾታዊ ርክብ ኣብ ኪዳን ኰንካ ክግበር ኣምላኽ ንደቂሰብ ንምፍራይ፡ ንባህታን ንብጻይነትን፡ ካብ ርኽሰት ንምርሓቕን፡ ኢሉ ዝሰርዖ ቅዱስን ክቡርን ኣምላኻዊ ህያብ እዩ። ቅድሚ መርዓ ወይ ካብ መርዓ ወጻኢ ዝግበር ስጋዊ ርክብ ግን ዘይፍቑድን ውጉዝን እዩ። ማሕበር ክርስቶስ ድማ፡ ንኽልተ ሕጹያት ወይ ፍቑራት ኣብ ዝተፈላለየ ቤት እናነበሩ ብንጽህና ክመላለሱ ትምህርን ትምዕድን፡ ተጠንቕቕን (2ቈረ 11፡ 2፤ 1ተሰሎ 4፡3-8)።
© 2020 Hibret Kristos Church, San Jose, CA